መጸዋዕታ ንግዳይ ምስግጋር ሰብ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ወተሃደራዊ ፖሊስ ንግስነት ኔዘርላንድ (The Royal Netherlands Marechaussee (Kmar))፡ ኣብ እዋን ስደት ንዘጋጥሙ ገበናት፣ መርመራ ንምግባር ንግዳያት ኣስገርቲ ሰባት ይደሊ ኣሎ። እዚ መጸዋዕታ፣ ኣብ’ቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰዱን፡ ብሱዳንን ሊብያን ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝጽዕሩ ዘለዉን፡ ዝዓለመ እዩ። እዚ መርመራ፡ ኣብ’ቶም ካብ 2016 ኣትሒዙ፡ ኣብ’ዚ መገዲ ንስደተኛታት ንዝምንዝዑን ዘሳቕዩን ገበናዊ ትካላት/ጉጅለታት የተኩር።

ወተሃደራዊ ፖሊስ ንግስነት ኔዘርላንድ (The Royal Netherlands Marechaussee (KMar))፡ ኣብ እዋን ስደት ንዘጋጥሙ ገበናት፣ መርመራ ንምግባር ንግዳያት ኣስገርቲ ሰባት ይደሊ ኣሎ። እዚ መጸዋዕታ፣ ኣብ’ቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰዱን፡ ብሱዳንን ሊብያን ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝጽዕሩ ዘለዉን፡ ዝዓለመ እዩ። እዚ መርመራ፡ ኣብ’ቶም ካብ 2016 ኣትሒዙ፡ ኣብ’ዚ መገዲ ንስደተኛታት ንዝምንዝዑን ዘሳቕዩን ገበናዊ ትካላት/ጉጅለታት የተኩር።

ወተሃደራዊ ፖሊስ ንግስነት ኔዘርላንድ፡ ኣብ’ቲ ብመገዲ ማእከል ሜዲተራንያን ናብ ኣውሮጳ ዝፍለጥ፡ ንዘሎ መርበብ ምስግጋር ሰባት፡ ኣብ ምምርማር ይርከብ። እዚ መገዲ’ዚ፡ ስደተኛታት፡ ንኣብነት ከም እቶም ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ኤርትራውያን፡ ዝጎዓዝሉ እዩ።

ሓደ ካብ’ቶም መርበባት፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ገበናዊ መርመራ/መጽናዕቲ፡ ድሮ ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ መርመራ’ዚ እውን እዩ፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ 2022፡ ካብ ኢትዮጵያ ንኔዘርላንድስ ተረኪቡ ኣሎ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን ኣብ ዝቮለ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ። ካልእ ጥርጡር ኸኣ ኣብ 2023፡ ድሕሪ ኣህጉራዊ ሃድን፡ ኣብ ሱዳን ተታሒዙ። እዚ መራሒ ናይ’ታ ጉጅለ እዩ ተባሂሉ

ዝሕሰብ ሰብ’ዚ፡ ኣብ ንግስነት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀይዲ ይርከብ። ኣኽባር ሕጊ ኔዘርላንድስ’ውን፡ እዚ ሰብ ንኽወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ። እዞም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ምስግጋር ሰባት፡ ጅሆ ምሓዝን፣ ሰባት ምስቓይን ምዕማጽን ከምኡ’ውን ጾታዊ ዓመጽ ዝነጥፍ

ገበናዊ ጉጅለ፡ ከምዝተሳተፉ ይጥርጠር። ዝበዝሑ ግዳያት ናይ’ዚ፡ ካብ ኤርትራ ዝመጹ እዮም።

እዚ ብመዝነት ኣኽባር ሕጊ ዝካየድ ሓድሽ መርመራ፡ ኣብ ኣብ’ዚ መገዲ ስደተኛታት ንዝርከቡ ካልኦት መርበባት የተኩር። ብኸምኡ’ውን፡ ብዙሓት ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንኽቀርቡ የኽእል። ዝተፈላለያ ምንጭታት ሓበሬታ’ውን፡ ኣብ ናብ ኣውሮጳ ዘምርሑ ስደተኛታት፡ ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ሊብያን፡ ዓመጽ ብብዝሒ ከምዝርአ የመልኽቱ። ኣብ’ዘን መመሓላለፊ ሃገራት፡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ካምፕታት ተዓጽዮም ይርከቡ፦ ካብኡ ንኽንቀሳቐሱ ዝፍቀደሎም’ውን ስድርኦም ብዙሕ ገንዘብ ምስዝኸፍሉን ጥራሕ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን’ውን ዓመጽ የጋጥም እዩ።

ወተሃደራዊ ፖሊስ ንግስነት ኔዘርላንድ፡ ብዛዕባ መራሕቲ ናይ’ዞም ጉጅለታት/ጭፍራ ዝሓሸ መረዳእታ ንምርካብ፡ ናይ ኦንላይን ወፍሪ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ መጸዋዕታ ንምስክር፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ሰባት ዝዓለመ እዩ። እቲ ናይ መርመራ ኣካል፡ ብፍሉይ ነቶም ኣብ መንጎ 2016ን 2024ን ብሱዳንን ሊብያን ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ዝመጹን፡ ግዳያት ወይ ከኣ ምስክር ናይ ኣስገርቲ ሰባት፡ ስቅያትን (ጾታዊ) ዓመጽን ንዝኾኑ ሰባት፡ ይደሊ ኣሎ። እዚ መጸዋዕታ፣ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት፡ ከምኡ’ውን በቲ ኣብ ኤርትራ ብብዝሒ ዝዝረብ ትግርኛን፡ ተዳልዩ ይዝርጋሕ ኣሎ።

-

ኣብ መንጎ 2016- 2024 ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊስካ ብሱዳንን ሊብያን ጌርካ ንኤውሮፓ ኣቲኻ ዲኻ? ግዳይ ወይ ምስክር ናይ ንግዲ (ስምስርና) ሰባት፣ ዝርፋ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ`ዚ ጉዕዞ ኔርካ`ዶ? እንተ ኔርካ ንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar) ከዘራርበካ ይደሊ ኢዩ።

For English, click here.
Voor Nederlands, klik hier.

ዝርዝር ጉዳይ
ቦታ ገበን: ሱዳንን ሊብያን
ዕለት ገበን: ኣብ መንጎ 2016-2024

ንትዕዛዝ ኣገናንባብ
ዋትስኣፕ (WhatsApp), ቫይበር (Viber) ወይ ኢሞ (IMO): +31 6 575 70 711
ኢመይል (email): contactus@mindef.nl

ኣብ`ዚ ታሪኽ ንካብ ኤርትራ ሃዲሙ ዝወጸ፣ ንንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar) ምስክርነት ዝሃበ ሰብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንሱ እቲ ርክብ ከመይ ከምዝነበረ፣ ምስክርነት ምሃብ`ውን ንምንታይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኢዩ።

More info and contact details in Tigrinya